ማእከል ሓገዝ ግዳያት ስዊዘርላንድ

ኣብ ስዊዘርላንድ ገለ ሕማቕ ነገር ኣጋጢሙካ/ኪ ድዩ፧ ሕጂ ንስኻ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ኣይትፈልጥን ዲኻ፧ እምብኣር ነቲ ማእከል ሓገዝ ግዳያት ርኸቦ።

Titelbild - ማእከል ሓገዝ ግዳያት ስዊዘርላንድ

ንስኻ ኣብ ስዊዘርላንድ ግዳይ ናይ ገበን ኮይንካ ኣለኻ ዲኻ፧ ንኣብነት፡

ንስኻ/ኺ

  • ኣብ እዋን ስርቂ ኣካላዊ ማህሰይቲ ኣጋጢሙካ/ኪ ኣሎ ድዩ፧
  • ጾታዊ ዓሚጽ፡ ወሲባዊ ምዝመዛ ወይ ግፍዒ በጺሑኪ/ካ ኣሎ ድዩ፧
  • ብበዓል-ቤትኪ፡ ብበዓልቲ-ቤትካ ወይ ብወለድኻ/ኺ ተገፊዕኪ/ካ ወይ ተሃሪምኪ/ካ ኣለኺ/ኻ ዲኻ፧
  • ግዳይ ናይ ሓደጋ ትራፊክ ኮይንካ/ኪ ኣለኻ ዲኻ፧

ከምኡ እንተኾይኑ ንስኻ/ኺ ካብ ማእከል ሓገዝ ግዳያት ደገፍ ንኽትረክብ/ኽቢ መሰል ኣለካ/ኪ።

ማእከል ሓገዝ ግዳያት ንመን እዩ ዘሎ፧

ሓገዝ ግዳያት ንኽሎም ኣብ ስዊዘርላንድ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ ወይ ወሲባዊ ግፍዒ በጺሕዎም ዘሎ ሰባት ይውሃብ።

  • ጾታኻ፡ ዕድሜኻ፡ ወሲባዊ ዝንባለኻ ወይ ሃይማኖትካ ብዘየገድስ
  • ካበየናይ ሃገር መጺእካ ወይ ኣብ ስዊዘርላንድ ንነዊሕ ግዜ ክትጸንሕ ዲኻ ኣይክትጸንሕን ብዘየገድስ።

እቲ ማእከል ሓገዝ ግዳያት ንስኻ ባዕልኻ ዘይተተንከፍካ እንየኾንካ እውን ክርክርብ ይኽእል እዩ። ማለት ቀረባኻ ንዝኾነ ሰብ ክትሕግዝ እንተደሊኻ።

ማእከል ሓገዝ ግዳያት እንታይ እዩ ዝገብር፧

ብመጀመርታ፡ ሰራሕተኛታት ማእከል ሓገዝ ግዳያት ይሰምዑኻ ጥራይ። ምእንቲ ንስኻ/ኺ ተመኩሮኻ ክትነግር ክትክእል። ብድሕሪኡ ንሳቶም ንስኻ እንታይ ክትገብር ከምትኽእልን ዘለዉኻ መሰላትን ይነግሩኻ። ንሳቶም ጭቡጥ ሓገዝ የቕርቡልካ፥

  • ጠበቓ ክትረክብ ይሕግዙኻ፡
  • መዕቈቢ ክትረኽበሉ ናብ እትኽእል ቦታ ክሰዱኻ ይኽእሉ፡
  • ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ ወይ ሕክምናዊ ሓገዝ ክህቡኻ ይኽእሉ፡
  • ወይ ኣብ ህጹጽ ኲነታት ገንዘባዊ ሓገዝ የቕርቡልካ።

ሰራሕተኛታት ማእከል ሓገዝ ግዳያት ክሎም ክኢላታት እዮም። ንሳቶም ዝያዳ ብንጹር ንኽትርኢ ከምኡ’ውን ከመይ ገይርካ ከምትቕጽል ብዝሓሸ ንኽትውስን ይሕግዙኻ።

ናብ ማእከል ሓገዝ ግዳያት ብኸመይ ክትበጽሕ ትኽእል፧

ማእከላት ሓገዝ ግዳያት ኣብ መላእ ስዊዘርላንድ ይርከቡ። ደውል ወይ ኢመይል ስደድ። ከምኡ’ውን ኣብቲ ማእከል ምኽሪ ብኣካል ቀሪብካ ንኽትዘራረብ ክትምድብ ትኽእል።

ኣብዚ ንስኻ ንኽሎም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ማእከላት ሓገዝ ግዳያት ክትረኽቦም ትኽእል

ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ ማእከላት ሓገዝ ግዳያት ብኣስተርጎምቲ እውን ይሰርሑ እዮም፡ ዋላ’ውን ብምልክት ቋንቋ።

ካብ ማእከል ሓገዝ ግዳያት ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል እንተኾይንካ ርግጸኛ ኣይኮንካን ዲኻ፧ ካብ ምድዋል ድሕር እይትበል። እቲ ሓገዝ ግዳያት ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ሓበሬታ ይህብ እዩ፡ መን ክሕግዘካ ከምዝኽእል።

ናጻ፡ ምስጢራውን ስም ዘይጠቅስን

እቲ ምኽሪ ምሕታት ካብቲ ማእከላት ሓገዝ ግዳያት ዝኾነ ገንዘብ ኣየኽፍለካን እዩ። ኩሉ ነገር ምስጢራዊ እዩ ከምኡ’ውን ስም ዘይጠቅስ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንስኻ ከምኡ ዘይትደሊ እንተኾይንካ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ዛንታኻ ኣይፈልጥን እዩ። ዋላ’ውን ፖሊስ ኣይፈልጡን እዮም።

ርኸቡና።

ማእከል ሓገዝ ግዳያት ንዓኹም ንምሕጋዝ ድሉው ኣሎ

ኣብ ናይ ህጹጽ ኲነት እዋን

ፖሊስ 117

ሕክምናዊ ሓገዝ 144

ንመጽለሊ ዝኸውን መንበሪ